መግለጺ፡- ስርዓት ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እስልምናን ኣስላም ኤርትራን ቀጻሊ ዒላማ ብዝገብሮ ዘሎ ወዲት ሕጂውን ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ዝርከብ ማእከል ታሕፊዝ ኣል-ቁርኣን ዓጺይዎ።

27 يوليو 2025 204

ኣልሓሙሊላህ ብዓወት ዘበሰረ፣ ዝና መጽሓፉ ክብ ዘበለ፣ ዑለማእን ሑፋዝን ነዚ ሓቂ ክዕቅቡን ናብ ሓቂ ዝመርሑን ዝገበረ፣ ሰላምን ራሕማ ንዓለማት ዝኾኑ ነብይና መሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለምን ንቤተሰቦምን ንሳሓባን ይኹን፣

ራቢጣ ዐለማእ ኤርትራ ነቲ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ ዝወረደ ብዓብይ ኣተኮሩ ይከታተሎን ነቲ ኣብ ልዕሊ ታሕፊዝ ኣል-ቁርኣን ብምልካዊ ስርዓት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ እስልምና ሃይማኖት ኣብታ ሃገር ዝግበር ዘሎ ተጽዕኖን ዝወሰዶ ዓመጻዊ ውሳነ ነውግዞ ፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ዘይኮነስ ብቐጻሊ ተጻባኢ ተግባራትን ፖሊሲታትን ኣንጻር ኣስላም ኤርትራውያንን ሃይማኖቶምን ዝቐንዐን ዝተወደበን ውዲታትን ኮይኑ ብተወሳኺ ነዚ ዝስዕብ ዘጠቓለለ እዩ፦

  • መሳጊድ ከይህነጽን ነቲ ዘሎ ድማ ምትዕርራይን ምሕዳስን ከይግበረሉን
  • ሓፈሻዊ እስላማዊ ንጥፈታትን ታሕፊዝ ኣል-ቁርኣንን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ስለያን ጸጥታን ዕቱብ ምክትታልን ገደብን ምግባር
  • እስላማዊ ስብከታት ምኽልካልን መሻይኽ ምፍርራሕን ምእሳርን ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምውጋድን ምቕንጻልን
  • ርኡይ ኣድልዎ ብምግባር ንቤተክርስትያን ዝደለየቶ ንጥፈታት ስብከታትን ኮሌጅ ምፍቃድን ዓበይቲ ቤትጽሕፈትን ናይ ሕርሻ መሬት ክውንንን ሓደ ክርስትያን ዝርከበሉ ናይ ኣስላም ቦታን ዓድን ቤተክርስትያን ምስራሕ፡ ንኣስላም ብኣንጻሩ ሃይማኖታዊ ጉዳዮም ከይፍጽሙ ምጽባብን ምሕናቕን

እዚ ዓመጻዊ ፖሊሲታት ኣብ ልዕሊ ሃይማኖታዊ፡ ማሕበራውን ባህላውን ኣንጻር መሰላት ኣስላም ዝፍጸም ግልጺ ዝኾነ መጥቃዕትታት እዮም። ንኤርትራዊ ሙስሊም ሕብረተሰብ እስላማዊ መንነቱን ሃይማኖቱን ንምድምሳስ፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ሃይማኖታዊ ምክብባርን ማሕበራዊ ሰላምን ንምዝራግን፡ ብሓይልን ብግዴታውን ስነ-ሓሳባውን ባህልን ኣቃውማ ሕብረተሰብ ኤርትራ ንምቕያር ዝጻዓረሉ ዘሎ ሓደገኛ ዕላማታት እዩ። ብተወሳኺ ኣብ ትካላት መንግስቲ ዘይምትእምማን ዘይምክብባርን ዘስዕቡ ምዃኖም ምርዳእ የድሊ፡ ስምዒታውን ጽልእን ኣድልዎን እንተቐጺሉ ፡ ንመጻኢ ንጸጥታን ሓድነትን ሕብረተሰብና ኣብ ሓደጋ ከእትዉ ዝኽእሉ እዮም።

እዚ ጉነጻውን ሓደገኛን ባህሪ ክውገድ ነዞም ዝስዕቡ ነጥብታት ከነረጋግጽ ንድሊ፦

  1. ነዚ ተደጋጋሚ ዓመጻዊ ኣካይዳ ኣብ ልዕሊ ኣስላም ብትሪ ንኹንኖ፣ በዚ መጥቕዓትን ውጽኢቱ ድማ ኣብታ ሃገር ንማሕበራዊ ምርግጋእ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ወጥሪን ጎነጽን ምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተሓታቲ ንገብሮ።

  1. ንኹሉ ጉነጻዊ ፖሊሲታትን ሃይማኖታዊ ኣድልዎን ደው ክብልን ነዚ ነገር’ዚ ምንጻግና ንእውጅ፡ ኣስላም ኣብ ዓዶም ዝርከቡ ክንሶም ከም ካልኣይ ደረጃ ዜጋታት ቆጺርካ መሰሎም ምርጋጽ ኣይንቕበሎን።

  1. ኩሉ ማእከላት ታሕፊዝ ኣል-ቁርኣን ብቕልጡፍን ብዘይ ቅድመ ኩነትን ቀይድን ዳግማይ ክኽፈት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ መሳጊድን ናይ ኣስላም ኣብያተ ትምህርትን ቁርኣንን ብዝተገብረ ኣረሜናውን ጸጥታውን ጸቕጢ ክለዓልን ናብ ዋናታቱ ክምለሱን ንሓትት ።

  1. ኩሎም ኤርትራውያን ፖለቲካዊ፡ ሲቪላውያን፡ ማሕበራትን ሓይልታት ግቡኦም ክፍጽሙን ነዚ እስላማዊ መንነት ንምድምሳስን ኣብ ኤርትራ ዝርከቡ ኣስላም ሃይማኖታዊ ንጥፈታቶምን ውልቃዊ መሰላቶምን ብሙሉእ ናጽነት ሓርነትን እምነቶም ከየካይዱ ዝገብር ዘሎ ባእታ ንምቅዋም ኣንጻር ዓመጽ ዝኹንን ስሙር ሓባራዊ መርገጺ ክእውጁ ንጽውዕ።

  1. እስላማውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ንጉዳይ ኤርትራ ብሸለልትነትን ምግላል ገዲፎም ቅሉዕ ግህሰትን ጸረ ሃይማኖታዊ ናጽነታትን መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ኤርትራን ምዃኑ ፈሊጦም ክከታተሉ ንጽውዕ።

  1. ለባማት ኤርትራውያን ክርስትያንን ደቂ ሃገርና ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ልዕሊ ሃይማኖት ጸቕጥታት ቅቡል ዘይኮነን ዘይፍትሓውን ብምዃኑ እንዳረኣዩ ስቕ ከይብሉ ንጽውዕ።

  1. ህዝቢ ኣስላም ኤርትራ ሓቢሩ ብሓደ ደው ክብል፡ ምስ ኩሉ ፈተነታት ዓመጽን ውርደትን ኣብ ሃይማኖቱን መንነቱን ከይተምብርከኽ ክጸንዕን ፡ ሕጋዊ ሃይማኖታዊ መሰላቱን ንምሕላው ኣብ ሰላማዊ፡ ዝተወደበ ስጉምቲ ክዋፈር ንላቦ።

 ብዛዕባ እዞም ገበናት ስቕ ምባል ንሃይማኖት ምጥላምን ክድዓትን ስለዝኾነ ፡ ኣላህ ዝሃበና ኣማና ዘይምሕላውን ፡ ምስ ዓማጽን ገበነኛን ምትሕብባርን ከም ምዃኑ’ውን ነረጋግጽ።

ኣብ መደምደምታ ድምጽና ብንጹር ንዛረብ ኣለና።

መንነት ኣስላም ኤርትራ ኣይክድምሰስን’ዩ ፣ መሰሎም ካብ ምሕታት ድምጾም ድማ ስቕ ኣይብልን’ዩ ፣ ክሳብ እምነታዊ ትርግታ እስትንፋስ ዘለዎም ፡ ሃይማኖታዊ ክብረቶምን ንምዕቃብ ቆራጽነት ክሳብ ዘለዎም።

{ እቶም ዓመጸኛታት ድማ እንታይ ዓይነት ኣወዳድቓ ከም ከ ምዝወድቁ ክፈልጡ እዮም}

ናብ ኣላህ ንጽጋዕ ንውከል ፡ ንሱ እቲ ዝበለጸ ኣማሓዳሪ ጉዳያት እዩ።

ዋና ጸሓፊ

 

ራቢጣ ዑለማእ ኤርትራውያን

 

1447/1/22 ህጅሪ – 2025/7/17 .

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *