በዓልቲ ቤተይ ነፍሰጾር እንከላ ፈቲሐያ እቲ ፍትሕ ይወድቕ ዶ?

3 أكتوبر 2020 283

ንበዕልቲ ቤተይ ክልተ ግዜ ፈቲሐ መሊሰያ ኔረ ኣብታ ሓንቲ ፍትሕ ነፍሰጾር ኢያ ኔራ፡ ብድሕሪኡ ድማ ብቴሌፎን ጌረ ሓሪቐ እንከለኹ、ፈቲሐያ እሞ እቲ ፍትሕ ኣብ እዋን ጥንሲ ወይ ሓሪቕካ እንከለኻ ኸ ይወድቕ ድዩ?

መልሲ፦

ኣልሓምዱ ሊላህ ወሰላቱ ወሰላሙ ዓላ ረሱሊላህ

እምበኣርከስ መውስቦኣዊ ርክብ ቅድሚ ምስ መጻምድኻ ምስ ጎይታኻ እትኣትዎ ውዕል ስለዝኾነ ነዚ ኪዳን’ዚ ኣብ ኩሉ መድረኻት ጽምዳዊ ሂወት ካብ ኣመራርጻ ጀሚርካ ኣብ ምቅጻልን ምፍልላይን‘ውን ዘሎ መድርረኻት ብማዕሩፍን ሰናይ ኣገባብን ክኸውን ይግባእ።

ፍትሕ ድማ ናብራ ስድራ ንኽቅጽል ኣብዘይከኣለሉ እዋን ብስሩዕ ቀይዲታቱ ኣብ ሽርዒ እስልምና ጽዱቕ’ዩ፡ ወዲ ሰብ’ውን ናብ ፍትሕ ክጓየይ የብሉን፡ ክፈትሕ እንከሎ ንሰበይቱ ከይቀረባ ኣብ እዋን ጽርየታ ወይ ነፍስጾር እንከላ ክኸውን ይግባእ፡ ነቢይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰልም ዓብዱላሂ ኢብን ዑመር ሰበይቱ ኣብ እዋን ጽግያታ ፈቲሑዋ ዝብል ወረ ምስ ተነግሮም “ይምለሳ ዳሕራይ እንተደልዩ ምስ ጸረየት ወይ ጥንሳ ምስ ተረጋገጸ ይፍታሓያ” በሉ።

ስለዚ ፍትሕ ኣብ እዋን ጥንሲ ኣብ ሸርዒ ይወድቅ እዩ ንሱ’ዩ ኸኣ ሓታታይ ዝሓተቶ፡ እቲ ዒዳ ድማ ብሕርሲ ይዛዘም፡ ኣላህ ይብል

{ وَأُوْلاَتُ الأَحْمَالِ أَجَلُهُنَّ أَن يَضَعْنَ حَمْلَهُنَّ }[الطلاق:4]

“እተን ነፍሰጾር እዋነን ኣብቲ ካብ ጥንሰን ዝገላገላሉ እዩ“

እንተ ብዛዕባ ኣብ ኩነታት ሕርቃን እንከላኻ ምፍታሕ ዝብል ሕቶ እዚ ጉዳይ‘ዚ ትንተና የድልዮ፡

1 – እንተደኣ እቲ ነድሪ ሃለዋትካን እትብሎን ቃል ዘይትፈልጠሉ ኮይኑ ፍትሕካ ኣይወድቕን እዩ ምኽንያኣቱ ነቢይ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰልም “ፍትሕ ኣብ ብርቱዕ ሕርቃን የለን” ብሉ

(لا طلاق في إغلاق)

2 – እንተደኣ ሃለሃቱን ቃላቱን ዘስተውዕለሉ ንቡር ቁጣዐ ኾይኑ ግን ፍትሑ ዉዱቕ እዩ።

ስለዚ እዚ ሓታቲ እንተደኣ ሕርቃኑ ካብ ምስትውዓል ዘይኣገዶ ንቡር ቁጣዐ እንተኔሩ ፍትሑ ወዲቁ እዩ፡ ሰለስተ ፍትሕ‘ውን ስለዝበጸሐ ክመልሳ ዕድል የብሉን ቅድሚ ምስ ካልእ ሰብኣይ ምውሳባን ምፍታሓን ከምቲ ኣላህ ኣብ ቁርኣን ዝጠቐሶ፡ ወላሁ ኣዕለም።

ሼኽ ብርሃን ሰዒን        ዶ/ር በያን ሳልሕ             ዶ/ር ሓሰን ሰልማን

ዋና ጸሓፊ ራቢጣ  ዋና ጸሓፊ ክፍሊ ፈትዋ          ኣባል ጠቕላሊ ቤት ጽሕፈት

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *