ፈትዋ 2504 ብሰንኪ ሕማም ዘፍጠረ’ሞ ቅድሚ ዒድ ዝሞተ መን ይቀድየሉ

11 يوليو 2025 129

ሕቶ-

ወላዲየይ ብሰንኪ ሕማም ኣብ ረመዳን ገለ መዓልታት ኣይጾመን፡ ዒድ ከይኣተወ ከኣ ተራሕመ፡ እሞ ሕጂ ንሕና ደቁ  እተን ዘፍጠረን መዓልታት ክንጾመሉ ከመይ እዩ? ሓደና ድዩ ዝጾመን ወይስ እንተተማቀልናየን ከመይ ይኸውን?

መልሲ-

ወላዲኻ ረቢ ይርሓመሉ ብቅቡል ምኽኒት ስለዘፍጠረ ንኽቐዲ (ንኽትክእ)’ውን ዕድል ስለዘይረኸበ፣ እተን ዘፍጠረን መዓልታት ኣይሕተተለንን እዩ፡ ብኣኹም ክቐደያ’ውን ግዴታ ኣይኮነን፡ ሓውዩ ንኽቐዲ ዕድል ረኺቡ ኔሩ እንከሎ ብሸለልታ ኣደናጒዩዎ እንተዝነብር ግን ጽሙሉ ምተበሃልኩም። ወቢላሂ’ተውፊቕ።

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *