ሕቶ-
ወላዲየይ ብሰንኪ ሕማም ኣብ ረመዳን ገለ መዓልታት ኣይጾመን፡ ዒድ ከይኣተወ ከኣ ተራሕመ፡ እሞ ሕጂ ንሕና ደቁ እተን ዘፍጠረን መዓልታት ክንጾመሉ ከመይ እዩ? ሓደና ድዩ ዝጾመን ወይስ እንተተማቀልናየን ከመይ ይኸውን?
መልሲ-
ወላዲኻ ረቢ ይርሓመሉ ብቅቡል ምኽኒት ስለዘፍጠረ ንኽቐዲ (ንኽትክእ)’ውን ዕድል ስለዘይረኸበ፣ እተን ዘፍጠረን መዓልታት ኣይሕተተለንን እዩ፡ ብኣኹም ክቐደያ’ውን ግዴታ ኣይኮነን፡ ሓውዩ ንኽቐዲ ዕድል ረኺቡ ኔሩ እንከሎ ብሸለልታ ኣደናጒዩዎ እንተዝነብር ግን ጽሙሉ ምተበሃልኩም። ወቢላሂ’ተውፊቕ።