ሕቶ፦
ኣብዚ ኣብ ኣውሮፓ ኣብ ገለ መሳጊድ ኣብ እውን ሓጋይ መቕሪብን ኣልዒሻን ብሓደ ጠሚሮም ይሰግድወን፡ እዚ ከመይ እዩ ኣብ ሸርዒ?
መልሲ፦
ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ይብል፦
(إِنَّ الصَّلاةَ كَانَتْ عَلَى الْمُؤْمِنِينَ كِتَاباً مَوْقُوتاً) النساء/103
(ብርግጽ እቲ ሰላት ነቶም ኣመንቲ ወቕቱ ውሱን እዩ) ማለት ካብ ወቅቱ ፈጺምካ ከተቀድሞን ከተደንጕዮን ኣይፍቀድን እዩ፡ ብመሰረቱ ኩለን ሰለዋት ኣብ ወቅተን ክስገዳ ኣለወን ብጀካ እቶም ክጠምሩ እተፈቀድሎም ከም ገያሻይ ሓጃጂ ኣብ ዓረፋን ሙዝደሊፋን ወይ ብሰንኪ ዝናምን ሕማምን ዘጋንፍ ጸበባ፡ እዚ ጉዳይ ቅድሚ ሕዲ ኣውሮፓዊ ጉባኤ ፈትዋን መጽናዕትን ኣጽኒዑ ኣብ ዝበጸሖ ውሳኔ ብዛዕባ’ዘን ክልተ ሰላት ኣብ ኣውሮፓ ኣብ እዋን ሓጋይ ወቅቲ ኣልዒሻ ክሳዕ ፍርቂ ለይቲ ወይ ምልክቱ ኣብ ዘይልለየሉ እዋናት መቕርብን ኣልዒሻን ጠሚርካ ንኽስገዳ ሓቢሩ እዩ፤ ኡመት እስልምና ካብ ከቢድ ተጽዕኖ ከምእተገላገለ ብቁርኣን ስለእተነግረ ከመኡ’ውን ዓብዱላሂ ኢብን ዓባስ ኣላህ ይርደይሉ ነቢዪ ሙሓመድ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ሓደ እዋን ዙህሪ ምስ ዓስሪ መቕሪብ ምስ ኣልዒሻ ኣብ ፍርህን ዝናምን ዘይብሉ እዋን ጠሚሮም ኣስጊዶመን ኢሉ፡ ስለምንታይ ደኣ ከምዚ ጌሮም ምስ ተባህለ “ምእንቲ ንኡማኦም ከየጨንቁ” ኢሉ መለሰ።
ኣብ ክራማት’ውን ኣብቲ መዓልቲ ዝሓጽረሉ ኣዋርሕ ዙህሪ ምስ ዓስሪ ጠሚርካ ክስገድ ይፍቀድ’ዩ ምኽንያንቱ ፈላሊኻ ኣብ ወቕተን ክስገዳ ነቶም ኣብ ስራሕ ዝተዋፈሩ ኣሸጋሪ ስለዝኾነ፡ ኣስላማይ ግን ብዘይ ኣገዳሲ ምኽኒት ነዚ ጥምረት ክፍጽሞን ልማዱ ኸኣ ክገብሮ ይብሉን።
ሼኽ ሙሓመድ ኢብን ዑሴሚን ረቢ ይርሓመሎም ይብሉ፦ “እንተደኣ እቲ (ሸፈቕ) -ድሕሪ ዓራርቦ ዝረኤ ጽልግልግ- ቅድሚ ፈጅሪ ብእኹል ግዜ ዝዓርብ ኮይኑ ማለት ኣልዒሻ ከስግደካ እኹል እንተኾይኑ ክሳዕ ዝጽልምት ክትጽበዩ ይግባእ እንተደኣ ትጽቢት ዘይከብዶም ኮይኑ፡ እንተኸቢዱዎም ግን መቕሪብ ምስ ኣልዒሻ ኣቀዲሞም ክሰግዱ ይፍቀዶም ካብ ጭንቀትን ተጽዕኖን ናጻ ምእንቲ ክኾኑ ኣላህ ይብል፦
(يُرِيدُ اللَّهُ بِكُمُ الْيُسْرَ وَلَا يُرِيدُ بِكُمُ الْعُسْرَ ) البقرة 185،
ማለት “ኣላህ ከቃልለልኩም ደኣምበር ከካብደልኩም ኣይደሊን’ዩ። መድሙዕ ፈታዋ ሼኽ ኢብን ዑሴሚን (12/206)
ስለዚ እቶም ኣብተን ሃገራት ዝነብሩ ኣሕዋት ፈትዋ ዕላውያን ወገናት ክኽተሉ ንሕብሮም ምኽንያቱ ኩነታት እቲ ዘልውዎ ሃገር ኣጥቢቆም ስለዝፍልጡ ንሶም’ውን እቲ እዋናት ሰላታት ብሓደ ዝጥመረሉን እተን ዝምከተን ሃገራትን ኣብሪሆሞ እዮም።
والله الموفق،،،