ሕቶ፦
ጥንሲ ንኸይርከብ ዓዝል ምፍጻም ወይ ኮንዶም ምጥቃም ከመይ እዩ?
መልሲ፦
ዓዝል ማለት ሰብኣይ ምስ በዓልቲ ቤቱ ጾታዊ ርክብ ኣብ ዝፍጽመሉ ሰዓት ነቲ ማዩ ኣብ ግዳም የፍስሶ፡ ንዑኡ ተመሳሳሊ ኸኣ ብኮንዶም ይኹን ብኻልእ መከላኸሊ ንማዩ ኣብ ማህጸን ሰበይቱ ከይበጽሕ ምእንቲ ንጥንሲ ክቆጻጸር ዝጥቀሞ ሜላ እዩ፡ ክልቲኦም ብስምምዕ እንተጌሮሞ ፍቁድ ይኽውን ምኽንያቱ እታ ሰበይቱ’ውን መሰል ውላድን ስምዒትን ስለዘለዋ፡ ጃብር ኢብን ዓብዲላህ ረቢ ይርደየሉ ይብል፦ ኣብ ግዜ ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ዓዝል ንገብር ኔርና እዚ ጉዳይ ምስ ተነግሮም ረሱል ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ኣይከልከሉናን። ከማኡ’ውን ጃብር ይብል “ቁርኣን እናወረደ እንከሎ ዓዝል ንፍጽም ኔርና ክልኩል እንተዝኸውን ቁርኣን ምኸልከለና”
ገለ ዑለማእ ግን ነብዪና ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ብዛዕባ ዓዝል ምስ ተሓተቱ “እዚ ሕቡእ ድፍነት ዘርኢ’ዩ” ስለዝበሉ መክሩህ (ጽሉእ) ተግባር እዩ ይብሉ፡
ስለዚ ዓዝል ይኹን ወይ ዝኾነ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ምጥቃም እንተደኣ ኣድላዪ ኾይኑ ንኣብነት ሰበይቲ ኣብ ርእሲ ርእሲ ክትወልድ ዘሸግራን ዘይትጻወሮን ወይ ተደጋጋሚ ጥንሲ ዝጎድኣ ስለዝኾነ ጥንሳ ከምክእለታ ከተመሓድሮ እንተሓሲባ ፍቁድ ይኽውን ግን እንተደኣ እቲ መበገሲ ዘርኢ ወለዶ ንምቅያድን ምብታኽን ወይ ካብ ሕጽረት ርዝቂ ምስጋእን እንተኾይኑ ኣይፍቀድን እዩ ምኽንያቱ ኣብ እስልምና እቲ ምብዛሕን ምውላድን ሓደ ካብቲ ቀንዲ ሽቶታት መውስቦ ኮይኑ ኣብ ርእሲኡ ድማ ብኣላህ እከይ ኣተሓሳስባ ብምህላዉ እዚ ተግባር ብሰንኪ መበገሲኡ ሓራም ይኸውን።
والله الموفق،،،