ፈትዋ 2502 ፍትሕ ብመልእኽቲ ሞባይል

11 يوليو 2025 197

ሕቶ፦

በዓልቤተይ ብጽሑፍ ጌሩ ኣብ ሞባይለይ ጠሊቐኪ ኢሉኒ፣ ነዚ ነገር’ውን ኣስዒቡ ብመልሓሱ እታ መልእኽቲ ንሱ ከምዝለኣኻ ኣረጋጊጹለይ፣ እዚስ ከመይ እዩ ኣብ ሸርዒ እስልምና?

መልሲ፦

እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝጠቐስኪዮ እንተኾይኑ ፍትሕኪ ካብታ ኣብ ሞባይልኪ ጽሑፍ ዝተቐበልኪያ ሰዓት ወዲቑ እዩ፡ እዛ ፍትሕ ቀዳመይቲ ወይ ካልኣይቲ እንተኾይና ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ጽግያታት (ሐይዲ) ብዘይዓቕዲ ክመልሰኪ ይከኣል’ዩ፡ እንተ ሰለስተ ወርሒ ሓሊፉ ግን ግዴታ ብሓድሽ ዓቕዲ ክኸውን ኣለዎ፣ እቲ ፍትሕ ግን ሳልሳይ እንተኾይኑ ናብኡ ክትምለሲ ኣይፍቀድን’ዩ፡ ካልእ ሰብኣይ ተመርዒኺ እሞ እንተተፈቲሕኪ ግን ብሓድሽ ዓቕዲ ክትምለስዮ ይከኣል እዩ ።

والله الموفق،،،

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *