ኩሉ ምስጋና ን ኣላህ፣ ሰላምን ወደሳን ንእሙን ልኡኽን (ሙሓመድ) ንስድራቤቱን ንብጾትን ብዘይ ዓቀን። ከምቲ ኩሉ ኣስላማይ ዝፈልጦ፣ ካብቲ ኣብ ሸሪዓ ንጹርን ዘየካትዕን ነገር፣ እስልምና ኣብ ሓሙሽት ዓንዲታት ዝተመስረተን ዝቆመን ኮይኑ፣ ሓደ ካብ ኣተን ከኣ እቲ ከም ሓምሻይ ዓንዲ ዝፈልጥ፣ ሓጅ ኢዩ። ብሸሪዓዊ ግዴታታት፣ ኩሎም እቶም ዕዮታት ጽድቂ ክገብሩ ዝተኣዘዙን ዓቅሞም ዘፍቅደሎምን፣ ነቲ ተግባር ናይ ሃይማኖት ቅድሚ ምግባሮም እቲ እሩም ኣገባብ ናይ ኩሉ ሽዒራ (ግብሪታት-ጽድቂ) ብዝበለጸ ክፈልጡ ይግባእ። ብሓፈሻ፣ ደንቢ ወይ መሪሕ ናይ ሸሪዓ፣ ክበጽሖ ዘለዎ ዕላማን፣ ልቦናን፣ ዘባኽሱ ነገራትን ኣሎ። ነዚ ድማ እቲ ዝፈልጦ ፈሊጦዎ ኮ እንተኾነ ዘይፈለጦ ግን ኣይፈልጦን ኢዩ። እቲ ሕድሪ ናይዚ ቁዱስ-ጊብሪታት ዝተዋህቦ ሰብ፣ ኩሉ ግዜ ዕላማ ናይቲ ሰማያዊ ትእዛዝ ፈሊጡ ብዝበለጸ ከማልእን፣ ምስቲ ድልየት ሸሪዓ ብዝቃደው ሕጋታት ከተግብርን ወትሩ ዪጽዕር። ምኽንያቱ፣ ዕላማታት ናይ ሸሪዓ ኣብቲ ደንቢታት (ኣሕካም) ተጸምቢሩ ስለ ዝርከብ። ነዛ ጽሕፍቲ ነዳሉ ዘለና እምበኣር፣ ካብ ክቱር ድልየትና ንምፍላጥ ደቢታት ሓጂ ንምፍላጥ ሃረርታ ስለዘሎና፣ ከምኡ`ውን ንዝጸንሐ ካብ ኩሉ ናይ ሓጅ-ፊቂህ መጻሕፍቲ ንረኽቦ ሓበሬታ ንምርጓድን ኢዩ። በዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኣላህ ባዕሉ ነቶም ነጋድዪኣን-ቤቱ (ሓረም) ክጠቅም ትምኒትና ኢዩ።
ንዝያዳ ንባብ ኣብዚ ጽቐጥ