ቅድሚ 23 ዓመት ኣፍጢራ ኔረ

3 أكتوبر 2020 150

ሕቶ፦

ቅድሚ 23 ዓመት ነፍሰጾር ስለዝነበርኩ ይጽልኣኒ‘ውን ስለዝነበረ ክጸውም ክእለት ስለዘይረኸብኩ ን 27 መዓልታት ዝኸውን ካብ ረመዳን ኣይጸምኩዎን፡ ኣብቲ እዋን’ቲ ንመሳኪን (ኢጥዓም) መግቢ ሂበ፡ እዚ ዝገብርክዎ እኹል ድዩ ወይስ ግድን ክጸውም ኣለኒ?

መልሲ፦

ኣብ ወርሒ ረመዳን ብዘይ ቅቡል ሸሪዓዊ ምኽኒት ዘፍጠረ ሰብ ዓቢ ገበን (ዘንቢ) ስለዝፈጸመ ቶባ ኢሉ ዘፍጠረን መዓልታት ክትክአን (ክቀድየን) ይግድድ፡ ግን እንተደኣ ቅቡል ምኽኒት ኔርዎ ከም መገሻ ሕማም ጥንሲ ሕርሲ… ወዘተ ምንም ዘንቢ የብሉን፡ ነተን ዘፍጠረን መዓልታት ጥራይ ኣብ ካልእ ግዜ ክቀድየን ይግበኦ፡ ስለዚ እዛ ሓፍትና ልክዕ ክንድተን ዘፍጠረን መዓልታት ክትቀዲ ኣለዋ ወላ ግዜ ይንዋሕ።

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *