ዘካት ናይ ገዛ ከመይ እዩ

3 أكتوبر 2020 208

ሕቶ፦

ኣነ ኣብ ወጻኢ‘የ ዝቅመጥ ግን ኣብ ኣስመራ ገዛ ኣለኒ ብ 1500 ናቕፋ ኣካሪየዮ ኣለኹ፡ ዋግኡ ግን ክሳዕ ፍርቂ ሚልዮን ይበጽሕ፡ ዘካት ከውጻሉ እንተኾይነ ከመይ ጌረ ይሓስቦ?

መልሲ፦

ንኽራይ ዝተዳለወ ንብረት ከም መሬት ቤት መኪናን ካልእ ናውትን ዘካት ከተውጽኣሉ እንከለኻ ካብ እቶቱ ኢኻ እተውጽእ፡ እቲ እቶት ክራይ ተኣኪቡ ዓቐን ዘካት (ኒሳበ ’ዘካት) እንተበጺሒ -85 ግራም ወርቂ ዝኣክል- ንዓመት’ውን እንተተቐሚጡ 2.5% ዓመታዊ ከተውጸኣሉ ትግደድ፡ ዋጋ ናይቲ ንብረት ግን ይብዛሕ ይውሓድ ወሳኒ ኣይኮነን።

ስለዚ እቶት ክራይ ገዛኹም ተኣኪቡ እንተደኣ ዓቐን ዘካት በጺሑ ዓመታዊ 2.5% ዘካት ከተውጽእሉ ይግባኣኪም።

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *