ሕቶ፦
ኣነ ኣብ ጀርመን እቕመጥ እቶም ምሳና ዘልዉ ደቂ ቱርኪ ኣብ ወርሒ ረጀብ ክትጸውም ሱና እዩ ኢሎምና፡ እዝስ ጭብጢ (ደሊል) ኣለዎ ድዩ?
መልሲ፦
ዝኾነ ይኹን ንኣላህ ዝግበር ዒባዳ (ኣምልኾ) ኣብ መርትዖ ዝተመርኰሰ ክኸውን ስለዘለዎ ኩሉ ብዛዕባ ጾም ወርሒ ረጀብ ዝጠቅስ ኣሓዲስ (ደዒፍ) ቅኑዕን ድልዱልን ስለዘይኮነ ኸኣ ጾም ኣብ ወርሒ ረጀብ ፍሉይ ብልጸት የብሉን ሱና‘ውን ኣይኮነን፡ ብዛዕባ ብልጸት ወርሒ ረጀብ ዝመጸ ሓዲስ ብጀካ’ቲ ንወርሒ ረጀብ ሓደ ካብቶም ኣርባዕተ ክቡራት ኣዋርሕ ምዃኑ ዝሕብር እንተዘይኮኑ ካልእ የለን፡
قَالَ صَلَّى اللَّهُ عَلَيْهِ وَسَلَّمَ: ( السَّنَةُ اثْنَا عَشَرَ شَهْرًا , مِنْهَا أَرْبَعَةٌ حُرُمٌ , ثَلاثٌ مُتَوَالِيَاتٌ : ذُو الْقَعْدَةِ وَذُو الْحِجَّةِ وَالْمُحَرَّمُ , وَرَجَبُ مُضَرَ الَّذِي بَيْنَ جُمَادَى وَشَعْبَانَ (رواه البخاري (4662) ومسلم (1679)
ነብይ ሰለላሁ ዓለይሂ ወሰለም ይብል፦ “ዓመት ዓሰርተውክለተ ኣዋርሕ’ዩ፡ ካብኣቶም ኣርባዕተ ክቡራት ክኾኑ ከለዉ እቶም ሰለስተ ተኸታተሉ እዮም፦ ዙልቃዕዳህ ወዙልሒጃህ ወሙሓረም፡ ከምኡ’ውን እቲ ረጀብ ኣብ መንጎ ጁምዳን ሻዕባንን ዝርከብ”።
አዚ ክብሪ ድማ ፈሊኻ ክትጾሞ ዝውስን ስለዘይኮነ ንወርሒ ረጀብ ፈሊና ፈድሊ (ብልጸት) ኣለዎ ኢልና ክንጸውም ጌጋ እዩ።