ዓመታዊ ዘካትን ናይ ሽልማትን

3 أكتوبر 2020 229

ሕቶ፦

ዘካት ከነውጽእ እንከለና ካብቲ ሓደ ማል ዓመታዊ ደጋጊምና ዲና ነውጽእ ወይስ ሓንሳእ እንተውጺናሉ እኹል እዩ፡ ካብ ሽልማት ወርቂ ሰበይቲ ከነውጽእ እንተዀና’ኸ ከመይ ጌርና ነውጽእ?

መልሲ፦

ኣብ ትሕቲ ኢድካ እንተደኣ (ኒሳበ’ዘካት) ዓቐን ዘካት ዝኣክል ቅሙጥ ማል ወርቂ ብሩር ኣሎ ኾይኑ ሓንሳእ ኣውጺእካ እኹል ኣይኮነን፡ ኣብቲ ድሒሩ ዝመጽእ ዓመታት’ውን ደጋጊማካ ከተውጽኣሉ ትግደድ ኢኻ፡ ጓለንስተይቲ ካብ እትስለሞ ወርቂ ከተውጽእ እንተመሪጻ -ወላ’ውን ገለ ዑለማእ ካብ ንሽልማት እተዳለወ ወርቂ ዘካት ክኽፈል ግዴታ ኣይኮነን ይበሉ- እዛ ሰብ‘ዚኣ ነቲ ምስኣ ዘሎ ወርቂ መዚና ክብደቱ 85 ግራም እንተኣኺሉ ዋግኡ ብኽንደይ ክሽየጥ ከምዝከኣል ተገምጊሙ ልክዕ 2.5% ካብኡ ተውጽእ፡ እቲ እተውጽኦ ዘካት ካብቲ እትውንኖ ጥረ ገንዘብ ከተውጽኦ ትእኽል፡ ግድን ካብቲ ወርቂ ቆሪጽኪ ሼጥኪ ክፈሊ ኣይትበሃልን እያ።

اترك تعليق

لن يتم نشر عنوان بريدك الإلكتروني. الحقول الإلزامية مشار إليها بـ *