ሕቶ-
ሕቶ አለኒ ብናተይን ብሰብአይ
አነ አብዛ ዓዲ ዘለኩዎ 1994 ተመርዕየ መጼ። ሐዳሽ ከለኩ ተባኢስና ቀዳመይቲ ፈቲሐኪ ኢሉኒ ግን ንጽባሒቱ ሐሪቀ ኔረ ኢሉኒ ተዓሪቅና።
ካልኤይቲ ድማ 2004 መርዓ ሐወይ ንአስመራ ምስ ከድኩ ድሕሪ 2 ወርሒ ይኸውን ደዊሉ ተለፎን ፈቲሐኪ እየ ኢሉኒ። ሕጂ ከአ ቅድሚ 2ወርሕን ፈረቃን ይከውን ፈቲሐኪ እየ ክወፅእ እየ ካብ ገዛ ኢሉኒ። ብድሪኡ ተፈላሊና አነ ምስ ጋለይ ኢየ ዝሓድር ደለኩ ግን እሱ ከአ ናይ ልበይ አይከንኩን ሓሪቀ ኔረ ይብለኒ አሎ ። እሞ እቲ መልሲ እንታይ ኢዮ ካባኹም ክሰምዕ ተፈላሊና ዲና ወይስ ሐደ ዕድል አለና ብሐደ ክንቅጽል?
መልሲ-
ከምዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ንስኺ ሰለስተ ግዜ ኣብ እተፈላለየ እዋናት ሰብኣይኪ ባዕሉ ብድልየቱ ሰስለስተ ፍትሕ ኣውዲቁልኪ ስለዚ ፍትሕኪ (በይኑና ኩብራ) ይበሃል፣ ማለት ናብ ሰብኣይኪ ወላ ብሓድሽ ዓቕዲ ክትምለሲ ኣይከኣልን እዩ ፣ ኣላህ ሱብሓነሑ ወተዓላ ኣብ ሱረቱልበቀራ ይብል
ٱلطَّلَٰقُ مَرَّتَانِۖ فَإِمۡسَاكُۢ بِمَعۡرُوفٍ أَوۡ تَسۡرِيحُۢ بِإِحۡسَٰنٖۗ﴾ سورة البقرة آية 229﴿
ተፋቲሕካ ንኽትምልስ ክልተ ዕድል ኣለካ ኣብ ሳልሳይ ግን ምምላስ የለን፣ ግን እንተደኣን ካልእ ሰብኣይ ናይ ምትላል ዘይኮነ ሓቀኛ መርዓ ተመርዒኺ’ሞ ምስ ቀረበኪ ካኣ ብድልየቱ እንተፈቲሑኪ ናብቲ ቀዳማይ ሰብኣይኪ ብሓድሽ ዓቕዲ ክትምለስዮ ትኽእሊ ፣ ኣላህ ሱብሓነሁ ወተዓላ ይብል
﴾فَإِن طَلَّقَهَا فَلَا تَحِلُّ لَهُۥ مِنۢ بَعۡدُ حَتَّىٰ تَنكِحَ زَوۡجًا غَيۡرَهُۥۗ فَإِن طَلَّقَهَا فَلَا جُنَاحَ عَلَيۡهِمَآ أَن يَتَرَاجَعَآ إِن ظَنَّآ أَن يُقِيمَا حُدُودَ ٱللَّهِۗ وَتِلۡكَ حُدُودُ ٱللَّهِ يُبَيِّنُهَا لِقَوۡمٖ يَعۡلَمُونَ﴾ سورة البقرة آية 230
والله الموفق،،،